X

‘Sam& voor alle kinderen’ እንታይ ማለት እዩ?

‘Sam& voor alle kinderen’ (ንኹሎም ተማሃሮ ብሓባር) ኣብዚ ዘሎ ንኹሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ናይ ኣገልግሎት ወጻኢታት ከም ናይ ስፖርት፡ ዕለተ ልደታት፡ ናይ ዙረት፡ ንትምህርቲ ዘድልዩ መሳለጥያታት፡ ትምህርቲ ሙዚቃ፡ ትምህርቲ ልምምድ ምሕንባስ፡ ወይ ትምህርቲ ሳዕሳዒት ክፍሊታት ክኸፍሉ ንዘይክእሉ ወለዲ ዝሕግዝ ትካል እዩ። ንዝያዳ ሓገዝ ድማ ወለድን ሰብ ሞያን ሕቶታቶም ብመንገዲ ናትና ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ወላውን ነቶም ኣብ ገዝኦም ሕጽረት ገንዘብ ዘለዎም ቆልዑ ምስ ኣብ ናቶም ደረጃ ዕድመ ዝርከቡ ቆልዑ ከም ዝሳተፉ እነረጋግጸሉ መንገዲ እዩ።

 

‘Sam&’ for መን እዩ?

Sam& ነቶም ኣብ ኔዘርላንድስ ካብ 0 ክሳብ 21 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣብ ዝተሓተ ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤት ዝርከቡ 315,000* ዝብዝሖም ቆልዑ ዝሕግዝ ትካል እዩ። ዝተሓተ ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤት ክረኽቡና ይኽእሉ እዮም፡ ስለዚ ውላዶም ወይድማ ደቆም ኣብ ከም ስፖርት ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ክሳተፉ ከምኡውን ኣብ ዕለተ ልደት ጽምብላቶምን ጋሻ ከምዝቕበሉ ንምግባር ይከኣል።

 

መን እዩ ሕቶ ከቕርብ ዝኽእል?

  • ሓገዝ ዝቕበሉ ወለዲ ብመሰረት ሕጊ ናይ ስራሕ ሓገዝ ከምኡውን ናይ ማሕበራዊ ሓገዝ ዝረኽቡ (bijstand)፡ ስራሕን ኣታውን (ዓቕሚ ስራሕ) ሕጊ(WIA)፡ ወይ ሕጊ ስራሕን ናይ ዘይብሎም (WW)
  • ብ ትሑት ኣታዊ ዝሰርሑ ወለዲ 
  • ብቁሩብ ወይ ድማ ትሑት ኣታዊ ብውልቆም ዝሰርሑ ወለዲ
  • ዕዳ ዘለዎም ወለዲ

 

መመልከቲ ምቕራብ

እቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ኣብ ናትና ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ዝርከብ ብ ቋንቋ ሆላንድ (Dutch) ጥራይ እዩ ዝርከብ። ወለዲ እንተድኣ ኴንኩም እሞ ንሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ካብ ደቕኹም ዝምልከት ናይ ውልቅኹም መምልከቲ ከተቕርቡ ምስ እትደልዩ ቋንቋ ሆላንድ ድማ ዘይትዛረቡ ምስ እትኾኑ፡ ብኽብረትኩም ምስ ሓደ እትፈልጥዎ ቋንቋ ሆላንድ ዝፈልጥ ተራኸቡ እሞ ነዚ ንኽትገብሩ ክሕግዘኩም እዩ። ንኣብነት፡ ንሓደ ካብ መቕርብኩም ወይ ድማ ዓርክኹም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ መሕለፊ ኮድ ናይቲ ኣድራሻ እቲ ቆልዓ ዝነብረሉ ብምእታው፡ በዚ ዝስዕብ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ብምጥቃም ክትመልእዎ ትኽእሉ ኢኹም፦ www.samenvoorallekinderen.nl/ouders/

 

ኣቐዲምኩም ጽቡቕ ጌርኩም ሕቶኹም ኣቕርብዎ

እቲ ብጹሑፍ እተቕርብዎ ሕቶ ናብቶም ኣብቲ እትነብርሉ ንእሽቶይ ከተማ/ ዓቢ ከተማ ዝሰርሑ መሳርሕትኹም ብዛዕባ ኩሎም ክፍጸሙ ዝኽእሉ ጉዳያት ክስደዱ እዮም። እቲ በምልክዕ ሕቶ ዝቕረብኩሞ ጉዳይ ድማ ኣብ ውሽጢ 6 ሰሙናት ዳግመ ገምጋም ክግበረሉ እዩ። ንትወሳኺ ሓበሬታ ድማ እቲ ዘቕረብኩሞ ሕቶ ደገፍ ዝፍቀደልኩም ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምርግጋጽ ክንረኽበኩም ኢና።

 

ሓገዝ የድልየኩም ድዩ?

ብተወሳኺ ንስኹም ናይ ሞንጎኛ ሓገዝ ምስ እትደልይ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብነታት ናይቶም ሞንጎኛታት፡ መማህራን፡ ናትኩም ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ናይ መንእሰያት ኣሰላጣ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ናይ ጉዳይ ዕዳ ኣማኸርቲ፡ ከምኡውን ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳያት ዘጠቓለሉ ኽኾኑ ይኽእሉ። ምስ ካልእ ሰብ ኣቐዲምኩም ተራኺብኩም ምስ እትህልዉ፡ ብኽብረትኩም ነዚ ብዛዕባ ውላድኩም ወይ ደቅኹም ኣተቕርብዎ ጽሕፋዊ ሕቶ ከቕርቡልኩም ሕተትዎም።

 

ምስና እትራኸብሉ

ምስ መን ከም እትራከቡ እትሽገሩ ወይድማ ዘይትፈልጡ ምስ እትኾኑ፡ ብኽብረትኩም ንዓና ርኸቡና እሞ ብሓጎስ ክንቅበለኩም ኢና፡ ንሕና ክሳብ ብቛንቋ እንግሊዝ ወይድማ ቋንቋ ሆላንድ ክንሕግዘኩም ስለእንኽእል ብኽብረትኩም ርኸቡና።

ቁጽሪ ተሌፎን፦ +31 (0)10-307 59 09 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ስራሕ መዓልታት ካብ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ ክሳዕ 4:00 ድ.ቀ.
ናይ ኢ-መይል ኣድራሻ፦ info@samenvoorallekinderen.nl